Wir verwenden Cookies, um die Benutzerfreundlichkeit dieser Webseite zu erhöhen (mehr Informationen).

Manfred Röseler

እታ ዝበለጸት ህያብ

Weihnachten, das bekannteste und größte christliche Fest, ist für viele ein Feiertag ohne wirklichen Sinn. Manfred Röseler weist darauf hin, dass die Bedeutung von Weihnachten in Jesus Christus liegt. Die vielen Geschenke, die an Weihnachten gemacht werden, sind nichts im Vergleich zu dem Geschenk, das Gott uns gegeben hat. Die Menschheit war hoffnungslos mit Sünde verschuldet, aber Gott hat den Menschen ein Geschenk gemacht: Die absolute Sündenvergebung in Jesus Christus.

"Bei aller Weihnachtsfeierlichkeit übersehen wir oft, dass es nicht in erster Linie um ein nettes Miteinander geht, sondern um die Erlösung von Sünde und um eine neue Beziehung zu Gott. Darum möchte ich fragen: "Haben Sie das große Geschenk Gottes schon angenommen?" Wenn ja, dann haben Sie allen Grund, mit Freuden Weihnachten zu feiern."

6 Seiten, Best.-Nr. 31-77, Kosten- und Verteilhinweise | Eindruck einer Kontaktadresse


እታ ዝበለጸት ህያብ

ንብዙሓት ሰባት ናይ ልደት በዓል ምስ ስድራን መሓዙትን ዝራኸቡሉ ግዜ ኢዩ። ንኻልኦት ድማ ልደት ናይ ጽምዋ ግዜ አዩ፥ንኻልኦት ከኣ ናይ ተስፋ ሙቅራጽን ወይ ድማ ናይ ዓቅሊ ጽበት ግዜ ኢዩ። እቲ ኣብ በብዓመት ናይ ቅብጸት ተግባራት ዝፍጸመሉ እናለዓለ ዝኸደሉ እዋን ኣብ ልደት እዩ።

ልደት ናብቲ እግዚኣብሄር ዘወፈየልና ህያብ የመልክተልና

ዝኾነ ዓይነት ክንህቦ እንኽእል ህያብ ምስቲ እግዝኣብሄር ዘዳለወልና ህያብ ኣይነጻጸርን እዩ።እቲ ክብሪ ናይቲ ህያብ ክዕቀን ኣይከኣልንዩ፥ንህይወትና ሓድሽ፡ ሃብታም፡ ክትነብሮ ባህ ዝብለካ ዋጋ ዘለዎ ናብራ ይገብሮ።

እግዚኣብሄር ንትምኒትናን ፡ ባህግታትናን፡ ድሌታትናን ይሪኦ እዩ።ብርታዔናን ድኻምናን ከኣ ይፈልጦ እዩ። ምስኡ ዘለና ናይ ዝምድና ደረጃ ይፈልጦ እዩ። ንስኻኸ ምስ እግዚኣብሄር ዘለካ ዝምድና ከመይ ጌርካ ትግምግሞ፧ ትኽክል ድዩ፧ ወይስ ኣብ ህይወትካ ካብ እግዚኣብሄር ዝፈልየካ ሓጢኣት ኣሎ እዩ፧

እግዚኣብሄር ኩሉ እቲ እንገብሮ ሓጥያት በብሓደ ይፈልጦ እዩ። ሓጥያት ክንብል ከለና ንኣብነት ፦ ዘይምእማንን ፥ ዕልወት ኣንጻር ኣምላኽን፥ ትእዛዛት ዘይምሕላውን ማለት እዩ።ስለዚ ብምኽንያት ሓጥያትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በደለኛታት ኢና።

ኣብ ባንክ ዕዳ ምስዝህልወካ ኣከፋፋል ጌርካ ምስ ግዜ ክኽፈል ይከኣል እዩ።ብዙሓት ሰባት ሰናይ ግብሪ ንኽገብሩን ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ንኽሕልዉን ብሓይሊ ይፍትኑ ብዝኾነ ግን፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘለና ዕዳ ክንከፍሎ ኣይንኽእልን ኢና። ዋላኳ ሓደ ሰብ ደጊም እንተዘይሓጥአ ፥ ቁጽሪ ዘይብሉ ካብ እግዚኣብሄር ዝፈልዮ ሕሉፍ ሓጥያት ኣሎ።

ኣብ ኢሳይያስ 59:2 ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዝፈላለየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ”፡ዝብል ነንብብ ኣብ 1ይ ቆሮንቶስ 6:9 ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ይብል ብዘይ ምጽራይ ሓጥያት ናብ መንግስቲ ሰማይ ክንኣቱ ኣይንኽእልን ኢና። ሞትን ናይ መቅጻዕቲ ቦታን ዘልኣለማዊ ኩነኔ ይጽበየና ኣሎ።

እታ እግዚኣብሄር ዝወፈየልና ዓብይ ህያብ ምሕረት ንሓጥያትና እዩ።ካብ ፍርዲ ናይ ዘልኣለም ኩነኔ ነጻ ከውጸና ደልዩ ፥ ዉሉድን ወረስቲ ናይ መንግስቱ ክንከውን ይደልየና ፥ ብኸመይ እዚ ክኸውን ይከኣል፧ እግዚኣብሄር ብቀሊሉ ንሓጥያትና ሸለል ክብሎ ወይ ከኣ ከምዘይነበረ ክገብሮ ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ ከመኡ እንተገይሩ ጻድቅ ኣይከውንን ኢዩ። እቲ እንኮ መገዲ እንድሕነሉ ንሓጥያትና ምሕረት ምስ እንረክብ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ እግዚኣብሄር ንወዱ እየሱስ ክርስቶስ ናብዛ መሬት ልኢኹዎ።

ልደት ምውላድ ናይ እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ልሄም ቅድሚ 2000 ዓመት የዘክረና

እየሱስ ከማና ሰብ ኮነ፥ግና ኣብ ሞንጎ ህይወቱን ህይወት ናይ ተራ ሰብን ፍልልይ ነይሩ ኢዩ፥ እየሱስ ሓጢኣት ዘይብሉ ህይወት’ዩ ነቢሩ ፥ንሰባት ወንጌል( ብስራት )ሰቢኽሎም ፥ ንዝሓመሙ ኣሕወየ ሰናይውን ገበረ ። ተኣምራታቱ ድማ ንሱ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተተንበዩዎ መድሓኒ ከምዚኾነ የረጋግጹሉ።

ዋላኳ እየሱስ ንጹህ እንተኾነ ንሞት ተፈሪዱ ነይሩ ፥ ክመዉት ኣይግብኦን’ዩ ግና ኣብ መስቀል ናይ ጎልጎታ ብሙማቱ ናይ ሓጥያትና መቅጻዕቲ ኣብ ክንዳና ወሰዶ ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለና ዕዳ ድማ ብሙሉኡ ከፊሎ። ኣምላኽ ድማ ንመስዋእቱ ተቀበሎ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ከኣ ኣምላኽ ካብ ሙዉታን ኣተንሰኦ ናብ መንግስት ሰማይ መሊሱ ወሰዶ ።እየሱስ ሎሚ’ዉን ህያው እዩ።

ምኽንያት ምጽኣት እየሱስ ክርስቶስ ናብ መሬት ኣብ ማቴዎስ 1 :21 ተገሊጹ ኣሎ፦

ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ።

እየሱስ ክርስቶስ ናብዚ መሬት መጸ ፥ ሰብ ድማ ኮነ፥ እዚ ድማ ምስ ኣምላኽ ከተዓርቀና ኢሉ አዩ ። እቲ ሓቀና ትርጉም ናይ ልደት ደስታ ናይ ብሓንሳእ ሙኻን ኣይኮነን ግናኸ ብዛዕባ ዝምድናና ምስ ኣምላኽ እዩ። ብእየሱስ ክርስቶስ ካብ ሓጢያትና ነጻ ክንወጽእ ንኽእል ኢና። ምሕረት ተቀቢልና ዉሉድ ኣምላኽ ክንከውን ሓደ መዓልቲ’ዉን ኣብ መንግስተ ሰማያት ከምእንኸውን ዉሕስነት ይህልወና ።

እዚ ዓብይ ህያብ’ዶ ኣይኮነን፧ ክሓተካ ምፈተኹ ነዛ ህያብ ተቀቢልካያዶ ፧ እንድሕር ተቀቢልካያ ኾይንካ ነዚ ልደት ብደስታ ከተብዕሎ ምኽንያት ኣለካ ። እንድሕር ነታ ዝበለጸት ህያብ ገና ዘይተቀቢልካያ ሃሊኻ እነሃለት ሎሚ ተቀበላ።

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 3:19 እዚ ዝስዕብ ነንብብ፦

እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።

ብጸሎት ምስ እየሱስ ክርስቶስ ክትዛረብን ውድቀትካን ነቲ ትፈልጦ ሓጥያትካን ክትናሳሕ ትኽእል ነቲ ዘይትዝክሮ ሓጢያትካውን ይቅረ ክብለልካ ሕተቶ :ንሱ ድማ ፈትዩ ይቅረ ክብለልካ አዩ ። ግን ኣብዚ ጥራይ ደው ኣይትበል ሙሉእ ብሙሉእ ከምትኣምኖን ኣብ ህይወትካ ክገዝእ ከምትደልዮን ንገሮ ናብ ህይወትካ ንኽመጽእን መሪሕነት ክወስድን ዓድሞ ህይወትካ እንተድኣ ንእየሱስ ሂብካዮ ዉሉድ ትኸውን ኣብ ዮሃንስ 1 :12 ተመልከት.

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ድሕሪ ምጽላይካ ፥ ንእየሱስ ክርስቶስ ኣብ ክንዲ ሓጥያትካ ስለ ዝሞትን ምሕረት ስለዝገበረልካን ሓድሽ ዘልኣለማዊ ህይወት ስለዝሃበካን ኣመስግኖ። ብኸምዚ ድማ እቲ ዝበለጸ ህያብ ምኻኑ ትፈልጦ።